ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ብዛዕባ ዲሞክራሲ ኣብ ዝዝቲ ኣኼብኡ ንኢትዮጵያ ዕድመ ከምዘይገበረላ ተፈሊጡ።

ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ በየነ መረብ ንዲሞክራሲ ኣመልኪቱ ን110 ሃገራት ኣብ ዝፀወዖ ኣኼባ ኣብይ ኣሕመድ ከምዘይተፀወዐ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እቲ ጉባኤ ብቐንዱ ዝቕፅል ታሕሳስ ኣብ ዲሞክራስን ውልቀ መለኽቲ ስርዓትን ኣመልኪቱ ዝካየድ ዘተ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቲ ጉባኤ ኣሜሪካ፡ ንናይ ወፃኢ ጉዳይ ፖሊሲኣ ንኽትቃንየሉ ከምዝሕግዛ ድሚ ፕረዚዳንት ጆ ባይደን ኣረጋጊፁ።

ኣብቲ ጉባኤ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ሃገራት ቻይናን ሩስያን ከምዘይተፀወዓ ተሓቢሩ።

መብዛሕቲኤን ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ ጉባኤ ክካፈላ ዝተፀወዓ ክኾና ከለዋ እንተኾነ ኢትዮጵያ ኣብቲ ብሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዝተገበረ ፃውዒት ከምዘየላ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኲናት ካብ እትእውጅ ናብዚ ካብ መብዛሕቲኡ ኣህጉራውን ዓለምለኻውን ኣኼባታት ተገሊላ ኣናእሽቱ ሃገራት ዝላገፃላ ፍንፍንቲ ሃገር ኮይና ትርከብ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

%d bloggers like this: